.

In the name of the Father, the Son and the Holy Spirit, one God. 

To all of you who desire education, I wish you all good luck. In my life, in school or outside of school, I have never come across someone who earns a degree without going to school. So, young people, I advise you to strive to know what you do not know so that you might discipline yourselves to learn it. 

This theological college is now provided for you by the archdiocese. It is our hope and prayer that you may be able to grow spiritually and intellectually. We sincerely hope that all of you in whose hearts God has placed the desire for ministry in our Church, even at the highest level, would take advantage of this great opportunity 

May the Lord be with you all - the faculty, staff and students.

Amen.

Makarios, Bishop General 


 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

ብጐይታና ደቀይ ፍትዋት፣ ሓጺን እንተዘይተሳሒሉ፣ ካራ ምሳር ማሕጸ፣ ጎዘሞ፣ ፋስ ጉራዴ፣ ሰይፊ፣ ወተረፈ (ወዘ) ኣይከውንን እዩ ሓጺን ጥራይ እምበር። ሰብ ከኣ ትምህርተ ኣልቦ እንተ ኾይኑ፣ በቲ ኣብ ግብ.ሓዋ. 14፣13 ተመዝጊቡ ዘሎ ርሑቕ ከይከድና ክንመርሃር ንኽእል ኢና። ካብ ቀደም ዝሰምዖ ዝነበርኩ ቃል፣ ብ354-430 ዓ.ም. ዝነበረ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ (ናይ ሂፖ) ዝበሎ “እንኮ መጽሓፍ ጥራይ ከብ ዝፈልጥ ሰብ ኣድኅነኒ”። ካብ ከምዝን ከምኡን ዝበለ ንምድኃን ከኣ እዩ መድኃኒና፣ ኢየሱስ ብቅድሚ ስቅያቱን ብድኅሪ ካብ ምዉታት ምትንሣኡ፣ ን40 መዓልቲ ንሓዋርይት ንበይኖም ገይሩ ዝመሃሮም። ግብ. 10፣41-42

ብድሕሪ እዚ ከኣ እዩ፣ ሑሩ (ኪዱ) ምሃሩ ንገሩ፣ ኢሉ ዝለኣኾም። ማቴ.28፣19-20 ግብ 1፣ 2-3። ኣበይን ኣበይን ከም ዚምህሩውን  ነጊርዎም እዩ። ግብ.1፣8

በቲ ጊዜ እቲ ድማ እዩ  በዚ ኣነን ካልኦትን ተሰኪምናዮ ዘሎና መዝነት  ዝነገሮምን ዝሃቦምን።

ስለዚ መንፈሳዊ ኮለጅ ብዘመናዊ መሣርሒ ኣቕሪቡ ዚህብ ትምህርቲ ቀሪቡ ስለ ዘሎ። ተመሃሩ ፍለጡ። ተማሂርኩም ከኣ ቃል እግዚኣብሔር ንዘይፈልጡ መሃሩ። ተማሂርኩም ከኣ ናብቲ ዲያቆን ካህን ኤጲስ ቆጶስ ንምዃን ትበጽሑ።

ከምቲ ዝተባህለ፣ ማእረሩሰ ብዙኅ ወገባሩ ህዳጥ ኣስተብቅዕዎ እንከ ለባእለ ማእረር፣ ከመይ ይፌኑ ገባረ ለማእረሩ። “እቲ እኽሊ ብዙኅ እዩ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም።  ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ በሎም።”ማቴ.9፣37

ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኩልኹም ይኹን።

ትምህርትኹም ከኣ ይግለጸልኩም።

መቃርዮስ ኣቡን።

ጳጳስ ዲበ-ኩሉ